Lyrics

ናይ በብዓይነቱ ዝንባሌታት ትምክሕቲ ድርቅና ዘስከሮ ናይ ሕነ ቅርሕንቲ ጸረ ምትሕቑቓፍ ናይ ነገር ኣለምቲ ናይ ነገር ኣለምቲ ናይ በብዓይነቱ ዝንባሌታት ትምክሕቲ ድርቅና ዘስከሮ ናይ ሕነ ቅርሕንቲ ጸረ ምትሕብባር ናይ ነገር ኣለምቲ ናይ ነገር ኣለምቲ ጥቕሚ ሃዊጽዎም ልቦም ተሸንዲሑ ጥቕሚ ሃዊጽዎም ልቦም ተሸንዲሑ ኣብ ጸጽባሕ ኩናት ሕድሕድ እናባልሑ በዕጽምቲ ስዉኣት ኣዳራሽ ክሰርሑ ንህርፋን ባዕዳውያን ጽምኣቶም ከርውዩ ንህርፋን ባዕዳውያን ጽምኣቶም ከርውዩ ንመንኮርኮር ሰውራ ብግፍዒ ንዝጠውዩ ናይ ኮረሻ ተቓለስቲ ደድሕሪ ወደል ክጎዩ ናይ በብዓይነቱ ዝንባሌታት ትምክሕቲ ድርቅና ዘስከሮ ናይ ሕነ ቅርሕንቲ ጸረ ምትሕብባር ናይ ነገር ኣለምቲ ናይ ነገር ኣለምቲ ፍትሒ ብዝጎደሎ መሰል እናገሃሱ ፍትሒ ብዝጎደሎ መሰል እናገሃሱ ሕጊ ረሲዖሞ መትከል እናጠሓሱ ብዘይ ቅድመ ኩነት???? ክግህጹ ንህርፋን ባዕዳውያን ጽምኣቶም ከርውዩ ንህርፋን ባዕዳውያን ጽምኣቶም ከርውዩ ንመንኮርኮር ሰውራ ብግፍዒ ንኽጠውዩ ናይ ኮረሻ ተቓለስቲ ደድሕሪ ወደል ክጎዩ ናይ ኮረሻ ተቓለስቲ ደድሕሪ ወደል ክጎዩ
Lyrics powered by www.musixmatch.com
instagramSharePathic_arrow_out