Featured In

Credits

PERFORMING ARTISTS
Abraham Afewerki
Abraham Afewerki
Performer
Raesi Tube
Raesi Tube
Performer
COMPOSITION & LYRICS
Abraham Afewerki
Abraham Afewerki
Songwriter

Lyrics

ኾዋኽብቲ ቀትሪ ምስ ማዕርገን ብርሃን ከዊልኒ ንከይ'ሪአን ክትመጽእ ክኾበይ ክጽበያ ማሕታኣ ጠሚተ ከለልያ ኣበይ'ኮን ትህሉ መጓዕዝተይ ትሰማማዓኒ ራሕሲ ንመንፈሰይ ግርማ ሂወተይ ድራር'ዉን ንዓይኒ ከማይ ከማይ በይነይ እየ ትብለኒ ከማይ ከማይ በይነይ እየ ትብለኒ እንተመቐልካዮ ንስቓይ ይኾነልካ ፍርቂ ይመስለኒ እንተመቐልካዮ ንፍቕሪ ግን ይኾነልካ ዕጽፊ ኢሎሙኒ ኣቤ'ላ እታ ናተይ መማቅልቲ ትሰማማዓኒ ካልአይቲ ክንፊ ናይ ሓንቲ ዑፍ ኮይና ተብርረኒ ከማይ ከማይ ዝመስላ ትደሊ ከማይ ከማይ በይነየ ትብለኒ ምስጢር ፍቅሪ ምስጢር ፍቅሪ መን መላሲ መን ሓታቲ ሲኢነሉ መማኽርቲ ባህሊ ድዩ ወይስ ባህሪ ቃልኪዳን ድዩ ወይስ ፍቅሪ ዘልኣለም ጠማሪ? ንገሩኒ ንገሩኒ ንገሩኒ እንተሊኹም ዘይዉዳእ ፍቅሪ ዘለኩም እንተ ብጥፍኣተይ እንተ ተበዲለ ክቅምስል ሪአዮ ቦቂሉ ምስ በሰለ ፍቅሪ ናበ'ኣበለ ንገሩኒ ንገሩኒ ንገሩኒ ትብልሓትኩም ዘይዉዳእ ፍቅሪ ዘለኩም ባህሊ ድዩ ወይስ ባህሪ ቃልኪዳን ድዩ ወይስ ፍቅሪ ዘልኣለም ጠማሪ? ምስጢር ፍቅሪ ምስጢር ፍቅሪ ርኸቡለይ ተሓታቲ ሲኢነሉ መማኽርቲ ኣጥቃዕ በዚሕዎ ተነካ ኮይኑኒ ፍቅሪ ጸዊዖሞ ነቲ ዘሳቅየኒ በይነይ ከፊኡኒ ምስጢር ፍቅሪ ምስጢር ፍቅሪ መን ዩ መላሲ መን ሓታቲ ሲኢነሉ መማኽርቲ ንገሩኒ ንገሩኒ ንገሩኒ እንተሊኹም ዘይዉዳእ ፍቅሪ ዘለኩም
Writer(s): Abraham Afewerki Lyrics powered by www.musixmatch.com
instagramSharePathic_arrow_out