Lyrics

ዝሩው እብል ውሽጠይ ክሓስበኪ ሓዲረስ ውዒለ ፍርሕ ፍርሕ እብል አንድዕለይ እጭነቕ ሱቕ ኢለ ኣይ ድቃስ ኣይ መግቢ ምጋገኽኒ ጸማልያ መሲለ ኣብ ምዉቕ ጸወታ ዝን አንዳበልኩ ካብ ሰበይ ይፍለ ረሓ ናተይ በብዘለናዮ በብዘለናዮ ሓቦ ጌርና ንውጻዮ ፍቅረይ ናተይ ኣብ ልብኺ ሕዝእዮ ኣብ ልብኺ ሕዝእዮ ዝተባሃልናዮ ኣጆኺ ብዘየገድስ፡ ንጽመሞ ግዜ እንተነውሐ ብዘየገድስ፡ ሻቕሎትን ናፍቖትን አንተበዝሐ ክንደይ ክምቅር'ዩ ጻማ ሓቦ እዋን ምስ በጽሐ እራኣየኒ፡ ኣየወ ጽባሕ ምስ ሓለፈ ኩሉ እራኣየኒ፡ ክንዝክሮ ከነዋግዓሉ ሓቦ ግበሪ ጽባሕ ማለት ቀረባ አንደኣሉ ምደለኹ ክህሉ ኣብቲ ዘለኺዮ ቦታ ከሐንቅቐኪ ሓቚፈ ክኣባብደኪ መታን ምደለኹ እወ ኣየወ ሕጂ ክንደይ ምደለኹ ከሐንቅቐኪ ክኣባብደኪ ምደለኹ ረሓ ናተይ በብዘለናዮ በብዘለናዮ ሓቦ ጌርና ንውጻዮ ፍቅረይ ናተይ ኣብ ልብኺ ሕዝእዮ ኣብ ልብኺ ሕዝእዮ ዝተባሃልናዮ ኣጆኺ ደብዳቤኺ እኳ ደሃይኪ ሰኒቑ እንተመጽአ ዘይሕተት ኮይኑኒ፡ ተነቢቡ ስርሑ እንዳወድአ ከጣይቐልኪ፡ ዳም ዳም እብል ጋሻ እንተሰሚዐ ደሓን'የ እንዳበልኪ ከተህድእኒ'ኳ እንተፈተንኪ ወላ ኣይቀሰንኩን ከይትንከላበቲ ከይሓስመኪ እትረፍ ብማዕዶ ቀሪበ'ኳ ዝሻቐል ብኣኺ ምደለኹ ክትመጺ ኣብዚ ደለኹዎ ቦታ ከሐንቅቐኪ ሓቚፈ ክኣባብደኪ መታን ምደለኹ እወ ኣየወ ሕጂ ክንደይ ምደለኹ ከሐንቅቐኪ ክኣባብደኪ ምደለኹ
Lyrics powered by www.musixmatch.com
instagramSharePathic_arrow_out