Featured In

Credits

PERFORMING ARTISTS
Andit Okbay Eritrean Music
Andit Okbay Eritrean Music
Performer
COMPOSITION & LYRICS
Kiros Asfeha
Kiros Asfeha
Composer

Lyrics

ሓወይ'ዶ ኽብለካ መምህረይ? ዓርከይ ክብል ጠበቓይ ወገነይ? መተካእታ ኣልቦ ኸም ሞት ኣደ ኣብ ህይወተይ በዓል ዓቢ ግደ ኣብ ህይወተይ በዓል ዓቢ ግደ ላላላ ላላ ላላይ ላላላ ላላ ላላይ ላላላ ላላ ላላይ እለላይ ዲኢዲ ላላላ ላላ ላላይ ላላላ ላላ ላላይ ላላላ ላላ ላላይ እለላይ ዲኢዲ ተናፋቒ ዓርከይ ኣብ ርሑቕ ኣብ ማዕዶ ኸምቲ ዝዝክረካ ትዝክረኒ'ዶ? ዕላል ጸወታና ወትሩ እረኣየኒ ሕሉፍ ዘዘኪረ ሕንቕንቕ እብለኒ ተናፋቒ ዓርከይ ኣብ ርሑቕ ኣብ ማዕዶ ኸምቲ ዝዝክረካ ትዝክረኒ'ዶ? ዕላል ጸወታና ወትሩ እረኣየኒ ሕሉፍ ዘዘኪረ ሕንቕንቕ እብለኒ ኣብ ጊዜ ንእስነት እቲ ኽንላለ ኡሁ ኡሁ እዋይ ኣይመስለንን ነይሩ ኸምዚ ንፈላለ ኡሁ ኡሁ እዋይ ኣይመስለንን ነይሩ ኸምዚ ንፈላለ ምፍልላይ ኮይኑ ጊዜ ጠሊሙና ኡሁ ኡሁ እዋይ ኣንፈቱ ስሒቱ ምዉቕ ዕርክነትና ኣሃ ኣሃ እዋይ ኣንፈቱ ስሒቱ ምዉቕ ዕርክነትና ሓወይ'ዶ ኽብለካ መምህረይ? ዓርከይ ክብል ጠበቓይ ወገነይ? መተካእታ ኣልቦ ኸም ሞት ኣደ ኣብ ህይወተይ በዓል ዓቢ ግደ ኣብ ህይወተይ በዓል ዓቢ ግደ እዎይ እዋይ ኣሃይ እዋይ መባልዕተይ ኔርካ መሳትይተይ መጻውትተይ ኔርካ መዋዕልተይ ተፈሊኻ ምስ ከድካ ኻብ ቅድመይ ኣይረኸብኩን ከማኻ ንልበይ ኣይቀሰነን ድሕሬኻ ህይወተይ ወገነይ ጉልበተይ ብርከይ ናፊቐ ዝፈትዎ ዓርከይ ወገነይ ጉልበተይ ብርከይ ናፊቐ ዝፈትዎ ዓርከይ ላላላ ላላ ላላይ ላላላ ላላ ላላይ ላላላ ላላ ላላይ እለላይ ዲኢዲ እዎ... ኣሃሃሃ ሄሄሄሄ ኣሃሃሃሃ ሲነማ ሓማሴን: ካፒቶል: ኢምፐሮ ዘሕለፍናዮ ጊዜ ሎሚ ኽዝክሮ ሮማ: ኦድዮን: ዳንተ: ኩሮቾ ኣፍሪቃ ለይቲ ምስ መዓልቲ ካብ ዝኽረይ ዘይርሕቃ ሞካምቦ: ላጌቶ: ማትኣ: ኣምበሳደር ሻምሩክ: ፒካዲሊ: ንያላ ኽሕደር ኣዳራሽ ኤክስፖ: ኣጓዱ: እንዳ ዓይባይ ሓሊፉ ንእስነት ሳላ ኣስመራ ዓባይ እዋ... ይይ ሄሄሄ እቲ ዒድ ኣብ ገዛኹም ፋሲጋ ኣብ ገዛና ኡሁ ኡሁ እዋይ ኣብ ሓንቲ መኣዲ ኽንቅረብ ከለና ኣሃ ኣሃ እዋይ ከተማ ኽንወርድ ክዳን ዓጻጺና ባህግና ኣይነበረን በዚ ኽንዛዝሞ ኡሁ ኡሁ እዋይ ጎደሎ እንድያ ኾይና እዛ ዓለም እዚኣ'ሞ ኡሁ እዋይ ጎደሎ እንድያ ኾይና እዛ ዓለም እዚኣ'ሞ ሓወይ'ዶ ኽብለካ መምህረይ? ዓርከይ ክብል ጠበቓይ ወገነይ? መተካእታ ኣልቦ ኸም ሞት ኣደ ኣብ ህይወተይ በዓል ዓቢ ግደ ኣብ ህይወተይ በዓል ዓቢ ግደ እዎይ እዋይ ኣሃይ እዋይ ዘክሮ'ባ ጊዜ ንእስነትና ኣብ ሕልፎት ክንሓድር ከለና ንእስነትና እንከይመነናዮ ጥዑም ሓሊፉ ጥዑም ከይበልናዮ ምፍልላይ መዓስ ገሚትናዮ ወገነይ ጉልበተይ ብርከይ ናፊቐ ዝፈትዎ ዓርከይ ወገነይ ጉልበተይ ብርከይ ናፊቐ ዝፈትዎ ዓርከይ ላላላ ላላ ላላይ ላላላ ላላ ላላይ ላላላ ላላ ላላይ እለላይ ዲኢዲ ላላላ ላላ ላላይ ላላላ ላላ ላላይ ላላላ ላላ ላላይ እለላይ ዲኢዲ
Lyrics powered by www.musixmatch.com
instagramSharePathic_arrow_out